ሰዓታት ስራሕ ቆንስላዊ ኣገልግሎት ኣብ ኤምባሲ
ኤምባሲ ሃገረ ኤርትራ ኣብ ቐጠር ንተገልገልቲ ብቑዕን ስሉጥን ኣገልግሎት ንምሃብ: ኣብ ሰዓታ ስራሕ ምምሕያሽ ብምግባር ካብ ሰዓት7፡00ንግሆ ክሳብ ሰዓት12፡00ድሕሪ ቐትሪ ጠላባት ካብ ተገልገልቲ ንቕበለሉ ግዜ ኮይኑ፡ ካብ 01:00ድ.ቐ. ክሳብ 02:00ድ.ቐ. ዘሎ ግዜ ድማ ኣሳሊጥና ናብ ተገልገልቲ መልሲ ንህበሉ(ነርከበሉ)ሰዓታት ሙዃኑ ንሕብር።
በዚ ኣገጣሚ ኤምባሲ ኩሎም ተገልገልቲ ዕዙዝን ስሉጥን ኣገልግሎት ንምርካብ ከም’ቲ ኣብ ወግዓዊት ዌብ ሳይት ተጠቒሱ ዘሎ፡ www.eritreanembassyqa.org ዝድለ ሰነዳት ኣብ እዋኑ ክቕርቡ ምትሕብባርኩም ንሓቲት።
ዓወት ንሓፋሽ !
ኤ/ሃ/ኤርትራ
ቐጠር